ኮሮና እንታይ እዩ እንታይ ከ ክንገብር ንኽእል?

ኮሮናቫይረስ ወይ ኮሮና ንእሽተይ ጀርም እዩ (ብዓይኒ ዘይረኣዩ ኣናእሽቶ) ተሰራጭዮም ድማ ሕማም ከስዕቡ ይኽእሉ። ኮሮና ቫይረስ ከም ናይ ጉንፋዕ ምልክታት ኣለውዎ ከም ደረቕ ሰዓል፣ ትንፋስ ምሕጻር፣ ረስኒን ቃንዛ ሰብነትን። ኮሮና መብዛሕትኡ ግዘ ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገም እዩ ዘስዕብ። መብዛሕትኦም ረኽሲታት ሓደገኛታት እንተዘይኮኑ፣ ኒሞንያ ግን ከስዕብ ይኽእል (ናይ ሳንባ ከቢድ ረኽሲ) ኣብ ሓያላት ኬዛት ድማ ቀታሊ ክኸውን ይኽእል።

ማንም ሰብ ኮሮና ክሕዞ ይኽእል እዩ። ሽማግለታት ሰባትን ካልእ ሕማም ዘለዎም ሰባትን፣ ንኣብነት ናይ ስርዓት ምስትንፋስ ሕማም፣ ካንሰር ወይ ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ከቢድ ጽልዋ ከሕድረሎም ይኽአል።

ኮሮና ካብ ዝሓመመ ሰብ ከስተንፍስ ከሎ፣ ከስዕሎ ከሎ፣ ወይ ከሀንጥሶ ከሎ ናብ ሰባት፣ ቦታታት ወይ ምግቢታት ብዝዓርፍ ፈሳሲ ይመሓላለፍ። ብኣፍ፣ ኣፍንጫን ዓይኒን ኣቢሉ ናብ ሰውነት ይኣቱ። ናብ ሰውነት ምስ ኣተወ፣ ክራባሕን ናብ ካልኦት ቦታታት ክሰራጮን ይጅምር። ኮሮና ኣብ ሰውነት ናይ ሕማም ምልክት ከየርአየ ክሳብ 14 መዓልቲታት ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ስለዚ ሰባት ኮሮና እንዳሃለዎም እውን ዘይክፈልጡ ይኽእሉ እዮም፣ እቲ ቫይረስ ድማ ናብ ካልእ ሰብ ከሰራጭውዎ ይኽእሉ።

ኮሮና ብኣንቲባዮቲክስ ወይ ናይ ገዛ ምግቢታት ኣይሞትን። ኮሮና ምንኽኻእ ምውጋድን ብተደጋጋሚ ኢድካ ምሕጻብን እዩ ክከላኸሎ ዝኽእል።

ረኽሲ ንምክልኻል፣ ኣእዳውኩም ብሳሙናን ማይን ተሓጸቡ። ኣእዳውኩም ዋላ ርስሓት ኣይሃልዎም ተሓጸቡ። ን 20 ሰከንድታት ብሳሙና ብዝፈስስ ማይ ፋሕፊሕኩም ተሓጸቡ፣ ኣብ ውሽጢ ኣጻፍርኩም እውን ከይተረፈ ሙሉእ ኢድኩም ክሳብ ኩርናዕ ኢድኩም ተሓጸቡ። ኣብ ኢድኩም ዝህልዉ ቫይረሳት ኣእዳውኩም ብሳሙናን ማይን ብምሕጻብ ምቕታል ትኽእሉ። ኩሉ ግዘ ምግቢ ቅድሚ ምድላውኩምን ድሕሪ ምድላውኩምን ኣእዳውኩም ተሓጸቡ፣ ሽንት ቤት ድሕሪ ምጥቃምኩም፣ ቅድሚ ምብላዕኩም፣ ሕሙም ክተተሓምሙ ከለኹም፣ እንስሳት ወይ ናይ እንስሳት ሽንቲ ክትነኽኡ ከለኹ፣ ድሕሪ ምስዓልኩም፣ ምህንጣስኩም ወይ ኣፍንጫኹም ምንፋጥኩም።

ዓይኒኹ፣ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩምን ኣእዳውኩም ከይተሓጸብኩም ከይትነኽኡ። ኣእዳውና ብዙሕ ነገራት ስለዝነኽኡ ነቲ ቫይረስ ከልዕልዎ ይኽእሉ እዮም። ምስ ተለኸፉ ኣእዳውና ነቲ ቫይረስ ናብ ዓይኒና፣ ኣፍንጫና ወይ ኣፍና ከመሓላልፍዎ ይኽእሉ። ካብኡ፣ እቲ ቫይረስ ናብ ሰብነት ኣትዩ ከሕምመኩም ይኽእል።

ረስኒን ሰዓልን ወይ ካልእ ናይ ስርት ምስትንፋስ ምልክታት ምስ ዝርኣዮም ሰባት ንኽእ ደው ምባል ኣገዳሲ እዩ። ከስዕለኩም ወይ ከሀንጥሰኩም ከሎ፣ ኩሉ ግዜ ብኩርናዕ ኢድኩም ሸፊንኩም ወይ ሶፍት ተጠቐሙ። እቲ ዝተጠቀምኩሉምሉ ሶፍት ድማ ብቕልጡፍ ኣወግድዎ። ኣብ ደገ እንቱፍ ኣይትበሉ።

ካብ ዝስዕል ወይ ዘሀንጥሶ ሰብ እንተንኢሱ ናይ 1 ሜትር (3 ስጉምቲ) ርሕቐት ሓልዉ። ረስኒን ሰዓልን ካብ ዘለዎ ሰብ ንኽእ ደው ኣብሉ።

ረስኒ፣ ሰዓልን ትንፋስ ምሕጻርን ዘለዎ ሰብ ክተተሓምሙ እንተደሊኹም፣ መከላኸሊ ማስክ ወይ ናይ ክዳን ማስክ ምግበባር ከይትርስዑ፣ ብፍላይ ድማ ናየ ኣእዳውኩም ጽሬት ምሕላው ከይትርስዑ።

ኮሮና ንምክልኻል፣ ምስ ካልኦት ዘለኩም ኣካላዊ ንኽክእ ምቕናስ ኣገዳሲ እዩ። ኮሮናን ካልኦት ቫይረሳትን ኢድ ብምጭብባጥ ድሕሪኡ ድማ ዓይኒኻ፣ ኣፍንጫኻን ኣፍካን ብምሓዝ ይመሓላለፉ። ስለዚ ምስ ካልኦት ሰባት ክትራኸቡ ከለኹም፣ ኢዶም ጨቢጥኩም፣ ብምሕቛፍ ወይ ብምስዕዓም ሰላም ኣይትበሉ። ብርሑቑ ኢድኩም ብምውልብላብ፣ ርእስኹም ብምንቕናቕ ወይ ኢድ ብምንሳእ ሰብ ሰላም በሉ። ኣብ ከባቢኹም ኮሮና ኣሎ ኢልኩም ትሓስቡ እንተኾይንኩም፣ ምስ ካልኦት ንዘይምንኽኻእ ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ።

ሕማቕ ስምዒት ክስምዐኩም እንተጀሚሩ፣ ዋላ ቀለልቲ ስምዒታት ከም ርእሲ ሕማምን ዘረብረብ ምባልን፣ ክሳብ ዝገድፈኩም ካብ ገዛኹም ኣይትውጽኡ። የሀንጥሰኩም፣ ደረቕ ሰዓል እንተሊኩም፣ ትንፋስ ምሕጻርን ረስኒን እንተሊኩም፣ ብቕልጡፍ ናይ ሕክምና ሓገዝ ርኸቡ ምኽንያቱ ናይ ስርት ምስትንፋስ ረኽሲ ወይ ካልእ ከቢድ ኩነታት ተፈጢሩ ክኸውን ስለዝኽእል።

ብዛዕባ ኮሮና ዘለዉ ናይ ሓሶት እምነታትን ወረታትን ኣዝዮም ሓደገኛታን ሰባት ድማ ክቐትሉ ዝኽእሉን እዮም። ንኣብነት፣ ከም በረኪና ወይ ኣልኮል ምስታይ ኮሮና ኣየጥፍእን ክቐትለና ግን ይኽእል እዩ። ዋላ ካብ መሓዙት ወይ ካብ ናይ ቀረባ ዘመድ እትሰምዕዎ ሓበሬታ ዝተጋገየ ወይ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን እዩ። ትኽክለኛ ዝኾኑ ናይ ህዝባዊ ጥዕና ምኽሪታት ጥራሕ ካብ ከባቢያዊ ናይ ጥዕና ሰበ ስልጣናት ስምዑ።

ነዚ መልእኽቲ እዚ ብምስርጫው ኮሮና ንምቅላስ ሓገዝ ክትገብሩ ትኽእል ብኽብረትኩም ንመሓዙትኩምን ቤተ ሰብኩም ኣካፍልዎም፣ እንተተኻኢሉ ከም WhatsApp ዝበሉ መለኣኣኺ ግልጋሎት ብምጥቃም።

አዚ ትሕዝቶ እዚ ብኦድዮፒድያ ዝቐረበ እዩ፣ ናይ ጥዕና ፍልጠት ክስማዕ ዝገብር ዓለም ለኻዊ ፕሮጀክት። ብዝበለጸ ኣብ www.audiopedia.org